ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራዊያን ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ካናዳን እንነብር ኤትራዊያን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ እንነጥፍ ዝነበርናን ዘለናን ስፖርታዊያን : ኣካየድቲ ስፖርት : ደገፍትን ኣፍቀርትን ቅ/ብሽክለታን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራዊያንን ዝጥርንፍን ዝሓቁፍን ማሕበር እዩ ::
እዚ ማሕበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ብዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራዊያን ስፖርታዊያን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዕለት 09 ነሃሰ 2019 ተመስሪቱ :: ብዕለት 15 ሚያዝያ 2020 ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ቨርጂንያ ኣድላዪ ቅጥዕታት ብምምላእ ብሕጊ መኽሰብ ንምትራፍ ኢለን ዘይነጥፋ ትካላት ከም ገባሪ ሰናይ ማሕበር ብወግዒ ተመዝጊቡ ::
ዕላማ ናይዚ ማሕበር
ኤርትራዊያን ን ስፖርታዊ ምትአኽኻብ ጥራሕ ኮይኑ ካብ ወገንነት፡ ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ኣዋራጃዊ ደኣመሰሉ ጸግዒ ዘይብሉ ማሕበር አዩ። ንኹሉ ኤርትራዊ ድማ ነዚ ዕላማ ተኸቲሉ ንክጽንበር ምዕጹኡ ኩፉት ዪኸዊን። አዚ ማሕበር ብ ኣባላት ማሕበር ተመዊሉ ዝንቀሳቐስ ማሕበር ኮይኑ ን ኣፍቀርቲ ብሽክለታን ሰዓብቲ ስፖርት ሰብ ጸጋን ንዕብየት ማሕበርን ብሉጻት ተቐዳደምቲ ንምፍራይን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንኽገብሩ ይዕድምን የተባብዕን።
